Welkom Noord Tigrinya

Welkom Noord Tigrinya Wij helpen je graag met vertalingen van Nederlandse brieven en e-mails. Neem gerust contact met ons op, ook voor andere vragen.

Wij zijn te benaderen via facebook, WhatsApp of fysiek bij ons in de Modestraat.

ነጻ ናይ ምሕንባስ ትምህርቲ ንመንበሪ ፍቃድ ዘለዎም ሰባት  ምምሕዳር ኣምስተርዳም ነጻ ትምህርቲ ናይ ምሕንባስ ዕድል ይህበኩም። ምሕንባስ ምኽኣል ኣገዳሲ እዩ። ኣምስተርዳም ብዙሕ ማይ ዘለዋ ...
14/11/2024

ነጻ ናይ ምሕንባስ ትምህርቲ ንመንበሪ ፍቃድ ዘለዎም ሰባት

ምምሕዳር ኣምስተርዳም ነጻ ትምህርቲ ናይ ምሕንባስ ዕድል ይህበኩም። ምሕንባስ ምኽኣል ኣገዳሲ እዩ። ኣምስተርዳም
ብዙሕ ማይ ዘለዋ ከተማ እያ፣ ከም ካናላት፡ መዘናግዒ ቀላያት፡ ገማግም ባሕርን መሐንበሲታትን። ክሕንብስ ዘይክእል ሰብ
ኣብ ማይ እንተኣትዩ እቲ ሰብ ክጥሕል ይኽእል። እቲ ሰብ ክሕንብስ እንተኽኢሉ፡ ናይ ምጥሓል ዕድሉ ኣዝዩ ዝነኣሰ እዩ።
እንተ ምሕንባስ ትኽእል ኾይንካ፣ ንውሕስነትካ ጥራይ ኣይኮነን ጽቡቅ። ምሕንባስ ጽቡቅ እዩ፣ ምምሃር ምሕንባስ እውን
ከምኡ።
ናይ ምሕንባስ ንዲፕሎማታት ሀ-ን ለ-ን
ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ትምህርቲ ምሕንባስ እንተ ወሲድካ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቁሩብ ልዕሊ ዓመት ሀ-ዲፕሎማኻ
ክትረክብ ትኽእል። ዲፕሎማ ለ ብዝቐልጠፈ ክትረኽቦ ትኽእል፣ ምኽንያቱ ድሮ መሰረታዊ ነገራት ምሕንባስ ስለ ትፈልጦ።

ምዝገባ
ኣብ ትምህርቲ ምሕንባስ ምስታፍ ዝወሓደ ዕድመ 18 ዓመት እዩ። ትምህርቲ ምሕንባስ ክትምዝገቡ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ
ብመንገዲ ኣማኻሪ ዓሚልካ ስራሕ፣ ተሳትፎን እቶትን(WPI)፣ ኣማኻሪ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት
(Vluchtelingenwerk) ወይ ኣማኻሪ ማእከላይ ኣጀንሲያ መ ዕቆብ ሓተቲ ዑቕባ (COA) ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።
ሓላፊኻ ነቲ ናይ ምዝገባ ቅጥዒ ምሳኻ መሊኡ ናብቲ መሐንበሲ ክሰዶ እዩ። ድሕሪ ምዝገባ ኣብ ትምህርቲ ምሕንባስ
ክትሳተፍ ግዴታ ኣለካ።
ምርጫታትን ህላዉነትን
ኣብ ጉጅለ ንደቂ ተባዕትዮ ጥራይ፣ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ወይ ኣብ ዝተሓዋወሰ ጉጅለ ክትህሉ ከም እትደሊ ከተመልክት
ትኽእል ኢኻ።
እቲ መሐንበሲ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ቦታ ከእንግደካ እዩ። ቦታ እንተዘይሃልዩ ኣብ ዝርዝር መጸበዪ ክትኣቱ ኢኻ።
ቦታ ምስ ተረኽበ ካብቲ መሕንበሲ ኢመይል ክመጸካ እዩ።
ምጅማር ምሕንባስ ትምህርቲ
እንተ ተመዝጊብካ ካብ መሕንበሲ ትካል ናይ ዕድመ ደብዳበ ክመጻካ እዩ። እዚ ደብዳበ ብዛዕባ ምሕንባስን ናይ ምሕንባስ
ሰዓታትን ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ኩሉ ግዜ ንትምህርቲ ምሕንባስ ግድን ናይ ገዛእ ርእስኻ መሕንበሲ ክዳንን ሽጎማኖን
ሒዝካ ኪድ። ናብቲ መሕንበሲ ዝወስድ መጓዓዝያ ባዕልኻ ተዳሉ።
ን ኣማኻሪ ዓሚልካ ስራሕ፣ ተሳትፎን እቶትን (WPI) ተወከስ ምናልባት ናይ ህዝባዊ መጉዓዚ ወጻኢ ክሽፈነልካ ዝከኣል
ኮይኑ። ድጎማ እንተዘይብልካ፣ ናይ ህዝባዊ መጓዓዚ ወጻኢ ናብ መሕንበሲ ባዕልኻ ትሽፍኖ።

እዚ ሕታም ናይ ምምሕዳር ኣምስተርዳም ክፍሊ ስፖርት እዩ።

We kijken terug op een hele mooie avond!
28/10/2024

We kijken terug op een hele mooie avond!

07/08/2024
መልእኽቲ ካብ ስታድስፓስ ኣምስተርዳም፡ቅድሚ 1 ነሓሰ ነቲ ናይ ህጻናት ገንዝብ  ተጠቐሙሉ። ካብ 0 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ኣብ ሲቲ ፓስ ቻይልድ ክረዲት ይረኽቡ። ነዚ ተጠቒምኩም...
23/07/2024

መልእኽቲ ካብ ስታድስፓስ ኣምስተርዳም፡

ቅድሚ 1 ነሓሰ ነቲ ናይ ህጻናት ገንዝብ ተጠቐሙሉ። ካብ 0 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ኣብ ሲቲ ፓስ ቻይልድ ክረዲት ይረኽቡ።

ነዚ ተጠቒምኩም ንውላድኩም ነገራት ክትገዝኡ ትኽእሉ ኢኹም ።
ንኣብነት ክዳውንቲ፡ ናውቲ ትምህርቲ፡ ጫማ ወይ ቦርሳ።

እቲ መጠን ገንዘብ ብኣውቶማቲክ ኣብ ናይ ውላድኩም ስታድስፓስ ይውሰኽ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብቲ ሊንክ ተወከሱ።

https://www.amsterdam.nl/stadspas/kindtegoed/?utm_campaign=feed&utm_medium=referral&utm_source=later-linkinbio

02/07/2024

🎉🎉

08/05/2024
01/11/2023

ዝኸበርኩም ኣሕዋት፡
ማሕበር ኤሪ-ኖርድ፡ ንቐዳም 4 ሕዳር (4 november) ንኹሉ ወላዲ ዝምልከት መደብ ኣስተምህሮን ምይይጥን ኣዳልዪ ኣሎ።
እቲ መደብ ብሓፈሽኡ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ሆላንድ ብፍላይ ከኣ ኣብ ፍሉይ ትምህርቲ (speciaal onderwijs) ዘተኮረ እዩ።

መደብ ዝካየደሉ ቦታ፡
Huis van de Wijk Waterlandplein
(ቤት-ትምህርቲ ትግርኛ)
Waterlandplein 302, 1024 NB Amsterdam

መደብ ዝካየደሉ ግዜ፥
04-11-2023፡ ሰዓት 14:00 ክሳብ 16፡00
(ልክዕ ሰዓት ክልተ ክሳብ ሰዓት ኣርባዕተ)

ብሰላም የራኽበና።

01/05/2023

Adres

Modestraat 15-17
Amsterdam
1025ES

Meldingen

Wees de eerste die het weet en laat ons u een e-mail sturen wanneer Welkom Noord Tigrinya nieuws en promoties plaatst. Uw e-mailadres wordt niet voor andere doeleinden gebruikt en u kunt zich op elk gewenst moment afmelden.

Contact

Stuur een bericht naar Welkom Noord Tigrinya:

Delen