Haben Aregaw

Haben Aregaw Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Haben Aregaw, Men's clothes shop, Mekele, Mekelle.

14/03/2026

Tsegay Gebremedhn

ተጋሩ እንምነያ ትግራይ ዜጋታት ኣብ ዓዶም ኮይኖም ኣንፃር ጭቆና ፣ ኣንፃር ቀይዲ በተኽ ምልኪ ፣ ኣንፃር ስርዓት ኣልቦነት ይኹን ኣንፃር ድሕረትን ድንቁርናን ሓሳባቶም ብነፃነት ዝገልፁላን ፤...
13/03/2026

ተጋሩ እንምነያ ትግራይ ዜጋታት ኣብ ዓዶም ኮይኖም ኣንፃር ጭቆና ፣ ኣንፃር ቀይዲ በተኽ ምልኪ ፣ ኣንፃር ስርዓት ኣልቦነት ይኹን ኣንፃር ድሕረትን ድንቁርናን ሓሳባቶም ብነፃነት ዝገልፁላን ፤ ሕግን ስርዓትን ዝኽበረላን ትግራይ ክትህልወና እይዩ።

ሕግን ስርዓትን ብዘይተኸተለ መንገዲ ውልቀሰባት ብፖለቲካዊ ኣመለኻኽተኦም ካብ ኣብያተ መንበሪ ይኹን ካብ ኣብያተ መዘናግዒ እንዳዓፈንካ ምውሳድ ጠጠው ክብል ኣለዎ። እዚ ተግባር ባዕሉ መግለፂ ቀይዲ በተኽ ምልካዊ ስርዓት እይዩ።

Shewit Wudassie ብሕግጊ ዘሕትቶ ጉዳይ እንተደኣሃልዩ ኾይኑ ሕግን ስርዓትን ተኸቲሉ ካብ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ቀሪቡሉ ዓርሱ ክከላኸል ክግበር ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ብሓሳብ ንዝሞጎተካ ዜጋ ብብረት እንዳዓፈንካ ሕግን ስርዓትን ክተንግስ ኣይትኽእልን። እዚ ተግባር እዚ ቅድሚ ሐዚ እውን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ደስታ ገብረመድህን ተፈቲኑ ፈሺሉ እይዩ። ኣብ ልዕሊ ደስታ ኣይሰርሐን ፤ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ሸዊት እውን ኣይሰርሕን እሞ ፍትሑዎ።

ዓወት ኩርዳውያን የሐጉሰኒ እዩ !!ህዝቢ ኩርዲ ኣብ ኢራን:አብ ዒራቅ:ሶርያን  ቱርክን ተበቲኖም: ተደጋጋሚ ጄኖሳይድ ዝፍፀመሎም ህዝቢ እዮም።ሎሚ (አብ ዘመነ ትራምፕን ኔታንያሁን) ልቢ ጌሮም...
08/03/2026

ዓወት ኩርዳውያን የሐጉሰኒ እዩ !!
ህዝቢ ኩርዲ ኣብ ኢራን:አብ ዒራቅ:ሶርያን ቱርክን ተበቲኖም: ተደጋጋሚ ጄኖሳይድ ዝፍፀመሎም ህዝቢ እዮም።ሎሚ (አብ ዘመነ ትራምፕን ኔታንያሁን) ልቢ ጌሮም ሓድነት ፈጢሮም ሃገር እንተዘይወኒኖም ደሓር ክወሳሰቦም እዩ👌
ድሕሪ እዚ ናይ 47 ዓመት አሰቃቂ መግዛእቲ ኢራን ኣያቶላህ ዝተወሰነ ናይ ቃልሲ ምንቅስቃስ ጀሚሮም ኣለው።ክዕወቱ ትምኒትና እዩ🤝።

ተጋሩ ከምዚኦም ንዘይምኳን ንመያየጥ፤ንዘራረብ፤ሓቢርና ንሕሰብ ንሓድነትና ቅድሚ ኩሉ ሰሪዕና ብዝተወደበ መንገዲ ንቕድሚት ንመርሽ ፣ ኣነነት ነጥፍእ ንተሓጋገዝ እብለኩም ።

21/02/2026

Tedros Adhanom Ghebreyesus 🥰🙏

እንኳዕ ደስ በለኩም ኣሕዋት !! Berhe Desta Gebreabezgi ውፅኢት ጅንጀናኻ ፍረ ኣፍርዩልካ እንኳዕ ደስ በለካ።
15/02/2026

እንኳዕ ደስ በለኩም ኣሕዋት !! Berhe Desta Gebreabezgi ውፅኢት ጅንጀናኻ ፍረ ኣፍርዩልካ እንኳዕ ደስ በለካ።

04/01/2026

ካብ ቬንዚዋላ ዘይመሃር መሪሕነት ትግራይ መጨረሽኡ ህልቂት እዩ ዘምፅእ።ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣሜሪካ ዘዳለወቶ ሰነድ እዩ።እዚ ምጥሓስ ማለት ታይ ማለት ምኳኑ ግልፂ እዩ😎

29/12/2025

ኣብ ብሄራዊ ጉዳያት ትግራይ ዝጠመተ ሓቛፋይን ኣሳታፋይን ሓቀኛን ብሄራዊ ዘተን ልዝብን ምክያድ ቁልፊ መዋፅኦ ትግራይ እዩ።

29/12/2025

ፀገማት ትግራይ ብቕልፅምና ዘይኮነስ ብሓሳብና ክንፈትሕ ኢና ተመስሪትና ክብሉ ፕረዚደንት ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ኣይተ ጉዑሽ ግደይ ገሊፆም።

እዚ ዝተገልፀ ውድብ ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ኣብ ህልው ኹነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ንሚዲያታት ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ እዩ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ስርዓታውን መዋቕራውን ምዃኑ ድሕሪ ምዝኽኻር ኩሎም ፀገማት ትግራይ ብሰለማዊ መንገዲ ጥራሕ እምበር ብቕልፅምና ዝበሃል መፈክር ክተርፍ ኣለዎ ኢሎም።

ትግራይ በቢዘመኑ ንዘጋጥማ ተኸታታሊ ኩናት ሐዚ እውን ንከይድገም ከም ወለዶ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ዝበለ ፕረዚደንት ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ኣይተ ጉዑሽ ግደይ ወሲኹ ድማ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ከም ሃፍቲ እምበር ከም ምንጪ ፅልኢ ክርአ ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።

ናይ ወለዶ ተቓርኖ ኣብ ትግራይ ብምህላው ካብ ናይ ኩናት ዕንኪሊል ክንወፅእ ኣይከኣልናን ዝበለ ውድብ ወለዶ ወሲኹ ድማ ሓደሽቲ ውድባት ኣብ ትግራይ እንትምስረታ እቲ ማሕበረሰብ ብዓይኒ ጥቕሚ ዓዲ ንክምዝን ፃውዒት ኣቕሪቡ።


ሪፖርተር፦ ክብሮም ካልኣዩ

ላዛ ትግርኛ
20 ታሕሳስ 2018
መቐለ

29/12/2025

ፀገማት ትግራይ ብቕልፅምና ዘይኮነስ ብሓሳብ እዩ ዝፍታሕ 👌

03/12/2025

ትግራይ ብተፈጥሮን ብኲናትን ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ኣካል ጉድኣት ኣለውዋ።
ኲናት ይኣክል ‼️

Address

Mekele
Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Haben Aregaw posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share